ፖሊስ ኤርትራ፡ ብልዕሊ 7.5 ሚልዮን ናቕፋ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ መቐርካ – ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ ዘስርሖ መደበር ፖሊስ፡ ብ19 ለካቲት ተመሪቑ።

እቲ ኣብ 3,200 ትርብዒት ሜተር ዝስፍሓቱ መሬት ዝተደኰነ መደበር ፖሊስ፡ 11 ንኣብያተ-ጽሕፈት ዘገልግሉ ክፍልታት፣ መአከቢ ኣዳራሽ፣ 9 ዓይኒምድሪ፣ 7 ክፍልታት መቐየዲ ጥርጡራት፣ ከምኡ’ውን 12 ክፍልታት መደቀሲን መመገብን ኣባላት ዘጠቓለለ እዩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ ኣቶ ኣብርሃም ሓጐስ ኣብ ዝተረኽበሉ ስነስርዓት፡ ኣዛዚ መደበር ፖሊስ መቐርካ ካፒተን ኪዳነ ፍትዊ፡ እቲ ንኣስታት ሸውዓተ ኣዋርሕ ተጓቲቱ ዝጸንሐ ህንጻ ኣብ መፈጸምትኡ ንኽበጽሕ፡ ህዝቢ መቐርካን ከባቢኡን ንዝገበሮ ውፉይ ኣበርክቶ ሞጒሱ።

“ጀሚርካ ኣብ መፈጸምታኡ ምብጻሕ – ሓደ መሰረታዊ እዩ” ዝበለ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ ብወገኑ፡ ኣብ’ቲ ስራሕ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ወገናት ምስጋና ኣቕሪቡ።

Categories