ኣብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ካብ ናይ 2021 መደባት ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ እቲ ልዕሊ 88 ሚእታዊት ብልዑል ኮማዊ ተሳትፎ ከምእተተግበረ፡ ብ10 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ተገሊጹ።

ሕርሻዊ እቶት ግን፡ ዝናብ ሎም-ዘመን ኣብቲ ከባቢ ትሕቲ ንቡር ብምንባሩ፡ ብ30 ሚእታዊት ከምዝነከየ ተሓቢሩ።

ኩነታት ትምህርቲ፡ ጥዕናን ጥሪትን ብዝምልከት፡ ዝርጋሐ ትካላት ትምህርቲ ናብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ብምብጽሑ፡ ዜጋታት ብቐረባ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኽቡሉ ባይታ ከምእተፈጥረ፣ ቁጽሪ ናይ’ተን ኣብ ትካላት ጥዕና ዝሓርሳ ኣዴታት 65 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ፣ ኩነታት ጥሪትን መግሃጫን እውን ጽቡቕ ከምዘሎ በሪሁ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት ኣቶ ኢሳቕ ጥዑም፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ቶም ምምሕዳራዊ ኣገልግሎት ንምምሕያሽን ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ኩሉ መዳያት ንምዕባይን ተታሒዞም ዘለዉ መደባት፡ መሕረዲ ጥሪት ከተማ ኣቑርደት ንምሕዳስ፣ ግበሪ መሬትን ሕርሻን ጥሪትን ብዕቱብ
ንምእካብ፣ ምርጫ ኣመሓደርቲ ከባቢን ኣካየድቲ ስራሕን ንምክያድ፣ ከምኡ’ውን ሽግር ዝስተ ማይ ምምሕዳራት ከባቢ ዓሊባናይ፡ ደገሰይን እንደራዬብን ንምቅላል – ኣብ 2022 ካብ ዝስራሓሎም መደባት ምዃኖም ገሊጹ።

Categories