ነበርቲ ንኡስ ዞባ ላዕላይ-ጋሽ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ተዋፊሮም ንዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ንምትብባዕ፡ ብ20 ለካቲት ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሸሸቢት፡ ብባህላዊ መሰናድኦ ዝተሰነየ እንግዶት ወዲቦም።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ግደ እስቲፋኖስ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ህዝቢ መስተርሆ ረኺቡ ቅሱንን ውሑስን መነባብሮ ንኽመርሕ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ኣብ ህንጸት ቢንቶታት፡ ምውሓስ ቀረብ ማይ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምጽጋን ጽርግያታት ውጽኢታዊ ስራሕ ይዓሙ ከምዘለዉ – እቲ እንግዶት ድማ፡ መግለጺ ሓጐስን ምስጋናን ከምዝዀነ ኣገንዚቡ።

እቲ ተበግሶ – ናይ ኣዴታት ምስ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ብምውህሃድ ምዃኑ ዝሓበረት ሓላፊት ሃማደኤ ንኡስ ዞባ ላዕላይ ጋሽ ወ/ሮ ፍረወይኒ ግደ ብወገና፡ ኣብ ልምዓት ተዋፊሩ ንዘሎ ሰራዊት ዝግበር ምትብባዕ፡ ነቲ ስራሕ ሓይሊ ዝፈጥር ስለዝዀነ፡ በብከባቢኡ ክድፋኣሉ ምዃኑ ገሊጻ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣምባሳደር ማሕሙድ ዓሊ ሕሩይ እውን፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ላዕላይ-ጋሽ ዝትግበር ዘሎ ልምዓታውን ትሕተቅርጻውን መደባት፡ መርኣያ ውህደት ህዝብን ሰራዊትን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንወደብቲ መደብ ኣመስጊኑ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣዛዚ ምዕራባዊ ግንባር ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ዑቕበ፡ እቲ መደብ፡ ህዝቢ – ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዝሰላሰል መደባት ልምዓት ኣብርክቶኡ ንምዕዛዝ ወትሩ ቅሩብ ምዃኑ ዘረጋገጸ መደብ ምዃኑ ብምሕባር፡ ነበርቲ ንኡስ ዞባ ላዕላይ ጋሽ ብሓፈሻ፡ ኣዴታት ድማ ብፍላይ ንዝወሰዳኦ ተበግሶ ሞጒሱ።

እቲ መደብ፡ ጉጅለ ባህሊ ‘ኣውላ’ ናይ ምዕራባዊ ግንባር ብዘቕረበቶ ስነ-ጥበባዊ ትሕዝቶ ማዕሪጉ።

Categories