ህግደፍ ጨንፈር ሽወደን፡ ብ19 ለካቲት ኣብ ከተማ ቬስትሮስ ኣብ ዘቃነዖ ጉባኤ፡ ኣብ ምሕያል ውዳቤታት ህዝባዊ ግንባርን መደባት ክተትን ዝተተግበሩ ስራሓት ብምግምጋም፡ ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል መሪጹ።

ኣብ’ቲ 100 ተወከልቲ 22 ጉጅለታት ንኡሳን ጨናፍር ዝተሳተፍዎ ጉባኤ፡ ኣደ-መንበር ህግደፍ ጨንፈር ሽወደን ወ/ሮ ዛይድ ዑቕባዝጊ፡ ኣባላት ህግደፍ – ኩሉ-መዳያዊ መደባት ሃገራዊ መኸተ ንምዕዋትን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምምካትን፡ ውዳቤታቶም ኣሐዪሎም ንዘሰላስልዎ ዘለዉ ንጥፈታት ሞጒሳ።

”ጉባኤ፡ ድኻማትና ብምእራም ዓወታትና እነድምቐሉ ባይታ እዩ” ዝበለት ወ/ሮ ዛይድ፡ ኣባላት ከም ወትሩ መሳርዖም ኣስጢሞም መድረኻዊ ተልእኾኦም ክፍጽሙ ተላብያ።

ኣብ’ቲ ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ሲራክ ባህልቢን ሓላፊ ቈንስላዊ ጉዳያት ኣቶ ኢሳያስ ገብራይን ዝተረኽቡሉ ጉባኤ፡ ኣብ ኣተገባብራ መደባት ስራሕ፣ ኣብ ምሕያል ውዳበታትን ንጥፈታትን ህግደፍ፣ ምምስራት ሓደስቲ ጉጅለታት፣ ከምኡ’ውን ኣብ ምምካት ተጻብኦታትን መደባት መኸተን ተዘትዩ።

ጉባኤኛታት፡ 7 ዝኣባላታ ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል ድሕሪ ምምራጽ፡ ምሕያል ውዳቤታት – ምሕያል ህዝባዊ ግንባር ስለዝኾነ፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ብዕቱብ ክሰርሑ ቃል ኣትዮም።

ህግደፍ ጨንፈር ሽወደን፡ 30 ንኡሳን ጨናፍር ኣለዋኦ።

Categories