ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሻምብቆ፡ ዓረዛን ሃይኮታን፡ ትግባረ ልምዓታዊ መደባትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ዝግምግም ርክባት ተኻዪዱ።

ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ኣብ ዝገበሮ ገምጋም፡ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ንምዕባይ ብዝተኻየደ ጐስጓስን ኣከብቲ ግብሪ ብዝገበርዎ ጻዕርን፡ ኣብ ግብሪ ሕርሻ መሬትን ጥሪትን ዘተባብዕ ለውጢ ከምእተመዝገበ፣ ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ምውጻእ ፈረንሳ ካብ ማሊ ብኸመይ ይርአ? ንኡስ ውሁድ ስድራቤታዊ መደብ ሕርሻ እንታይ ተንብብ መደባት ልምዓት እውን ዕዙዝ ምንባሩ ተነጺሩ።

ኮም ዘማእከለ ንጥፈታት ንምድንፋዕ፣ ብርሰት ኣግራብ ንምግታእ፣ ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣብ ትምህርቲ ንምዕባይን ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ንምስልሳልን፡ ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ክስራሓሉ ምዃኑ ድማ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ካሕሳይ ኣስራት ገሊጹ።

ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ከኣ፡ ብውሁድ ጻዕሪ ተመሃሮን መማህራንን፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሚስተር መጠን ምሕላፍ ብማእከላይ ገምጋም 93.7 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ ተገሊጹ።

ትሑት ተሳተፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ንምብራኽ ዕቱብ ጻዕሪ ከምዝግበርን፡ ንሓደስቲ መማህራን ስልጠናታት ክወሃብ መደብ ከምዘሎን እውን ተሓቢሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ድማ፡ ብዝሒ ተመሃሮ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ብ20.7 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘመዝገበ፣ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ብ37 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ተገምጊሙ።

Categories