ኣብ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት-ሳዋ (ማ.ሞ.ስ) ዝተዋደደ ዘመናዊ መሳርሒታት፡ ምስ ዕዙዝ ሞያዊ ኣበርክቶን ተወፋይነትን መማህራን ተደሚሩ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ምሕያል ብቕዓት ተመሃሮን ልዑል ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ዳይረክተር ናይ’ቲ ማእከል መምህር ተስፋይ ተወልደ ብ14 ለካቲት ምስ ተመሃሮ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ብግብሪ እናተሰነየ ዝወሃብ ሞያዊ ስልጠና፡ ብልሕን ተገዳስነትን ከምዝሓትት ብምምልካት፡ ተመሃሮ ብቑዕ ትምህርቲ ተዋሂብዎም ዝቐስምዎ ዓውደ-ሞያታት ንምምላኽ፡ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ’ዚ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት፡ መጠን ምሕላፍ 98.5 ሚእታዊት ከምዝዀነ ዝጠቐሰ፡ መምህር ተስፋይ፡ ኣብ ዓወታትካ ጥራይ ከየተኰርካ – ድኻማትካ ከመሓየሹ ዝኽእሉ መዳያት ምልላይ፡ ናብ ዝበረኸ ዓወት ዘብጽሕ መንገዲ ብምዃኑ፡ ተመሃሮ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዕቱባት ክዀኑ ኣዘኻኺሩ።

ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት – ሳዋ፡ 12 ዓይነታት ዓውደ-ሞያ ከም ዘጠቓልልን፡ ኣብ መበል 13 ኮርስ – 914 ተመሃሮ ን2ይ ዓመት የሰልጥን ከምዘሎን ሰነዳቱ የረድኡ።

Categories