ማሕበረ-ኮማት ኤርትራውያን ነበርቲ መልበርን – ኣውስትራልያን ላስ-ቬጋስ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ “ፈንቅል፡ ሕላገት ጅግንነት ወለዶታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ዝኽሪ መበል 32 ዓመት ስርሒት ፈንቅል ጸምቢሎም።

ብ12 ለካቲት ኣብ መልበርን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣቦ-መንበር ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ዞባ ቪክቶርያ ኣቶ ኪዳነ ግንቦት፡ ንብልሕን ታሪኻዊ ኣገዳስነትን ስርሒት ፈንቅል ድሕሪ ምጥቃስ፡ “እዚ በብከባቢኡ ዝግበር ናይ ዝኽሪ መሰናድኦታት – ንዝተሰውኡን ብህይወት ዘለዉን ጀጋኑና ክብርን ሞጎስን ንምሃብ፣ ሕድሪ ሰማእታትና እናዘከርና ድማ፡ ልምዓት፡ ሰላምን ድሕነትን ሃገር ንምውሓስ እጃምና ክንገብር፡ ቃልና እነሐድሰሉ እዩ” ክብል ገሊጹ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ያሲን ዑመር ብወገኑ፡ በሪ መላእ ሓርነት ዘርሓወ ስርሒት ፈንቅል፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነጥበመቐይሮ ከምዝነበረ ብምምልካት፡ እዚ ድሙቕ ወርቃዊ ታሪኽ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንኽሰጋገር፡ ስድራ-ቤታት ዕቱብ ጻዕሪ ክገብራ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ታሪኻዊ ዕለት ዘንጸባርቕ ባህላዊ መሰናድኦታት ቀሪቡ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ላስ-ቬጋስ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ዝወደብዎ ንቈልዑን መንእሰያትን ዓቢ ቦታ ዝሃበ ጽምብል፡ ተሳተፍቲ – “ንሕሉፍ ታሪኽ ሓበን እናዘከርና፡ ሃገራዊ መደባት መኸተ ንምዕዋት ከም ወትሩ ድልዋት ኣሎና” ኢሎም።

Categories