መደብ ውህለላን ንኡስ ልቓሕን – ‘መውል’፡ ዕድላት ሽቕለት ብምፍጣር ኣፍራይነት ንምዕባይ ዝገብሮ ወፍሪ፡ መሓውሩ ክሳብ’ቲ ዝተሓተ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ብምውራድን ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ብምውህሃድን ክደፍኣሉ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምበሳደር ዓብደላ ሙሳ፡ እቲ ትካል ብ8 ለካቲት ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም፡ ሓላፊ ‘መውል’ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ጐይትኦም ሃብተጼን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ዕላማ’ቲ ትካል – ንናይ ብሕቲ ጽላት ብምትብባዕ፡ መጠነ ንኡስ ትካላት ምምስራትን ምስፋሕን፡ ብኣኡ ኣቢልካ ድማ መነባብሮ ዜጋታት ምምሕያሽ ምዃኑ ኣረዲኡ።

እቲ ትካል፡ ኣብ ትሽዓተ ንኡሳን ዞባታት ዓንሰባ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ንኡሳን ዞባታት መንሱራን ከርከበትን – ዞባ ጋሽ-ባርካ 11,692 ዓማዊል ከምዘለውዎን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 27 ሚልዮን ናቕፋ ከም ዝዘርግሐን ድማ ሓቢሩ።

ኣብ ርሑቕ ገጠራት ቸክ ልሙድ ዘይምዃኑ፣ ዝተዘርግሐ ገንዘብ ኣብ እዋኑ ዘይምእካብ፣ ከምኡ’ውን ሕጽረት ኣገልግሎት መጓዓዝያ፡ እቶም ቀንዲ ብድሆታት ምንባሮም እውን ገሊጹ።

ግዝያዊ ኣካያዲ ስራሕ ‘መውል’ ኣቶ ታፍላ ኣስመሮም፡ ኣብ ሕርሻ፡ ልምዓት ጀራዲን፡ ምርባሕ እንስሳታት፡ መጠነ ንኡስ ንግዳዊ ትካላት – ዝግበር ወፍሪ ክዓቢ እንተኾይኑ፡ ጻዕሪ ሰራሕተኛታት ናይ’ቲ ትካልን ኣፍልጦ ህዝብን ክብ ንምባል ብዕቱብ ክስራሓሉ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

Categories