ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 7 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ንሳቶም፡ ሓደ ካብ ዞባ ማእከል ኰይኑ፡ ኣድራሻኡ ጸጸራት፣ ከምኡ’ውን 6 ካብ ዞባ ዓንሰባ – ማለት 3 ካብ ዒላበርዕድ፡ 2 ካብ ሃበሮ፡ ሓደ ድማ ካብ ሓጋዝ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 27 ካብ ዞባ ማእከል፡ 4 ድማ ካብ ዞባ ዓንሰባ፡ ብጠቕላላ 31 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,675 በጺሑ ኣሎ።

9,502 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 70 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 14 ለካቲት 2022

Categories