ኣብ ዞባ ማእከል፡ መንእሰያትን ካዪዶም ተመሃሮን ዝግብ፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ እውን ኣብ ምጽጋን መስመራት መጓዓዝያ ዘተኰረ ወፈራታት ልምዓት ኣካዪዶም።

እቲ ስራሕ፡ ብምውህሃድ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒን ነበርቲ ዝግብን ዝተተግበረ ኰይኑ፡ ምስራሕን ምጽጋንን ናይ ሓመድ ጽርግያ፣ ምዝላይን ምፍዋስን ማይ-ክዖታት፣ ምስራሕ ከትርታት ብእምኒ፣ ከምኡ’ውን ምድላው ጎዳጉዲ ንፈልሲታት ኣግራብ ዘጠቓለለ ምዃኑ፡ ወደብቲ ናይ’ቲ ወፈራ ገሊጾም።

“ንልምዓትና እንበቆ ጉልበት የለን’’ ዝበሉ እቶም መንእሰያት፡ ዝሓሸ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ንምውሓስ ኣብ ዝወጽኡ መደባት ንምስታፍ፡ ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊጾም።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ከባቢ ዝግብ ኣቶ ተስፋስላሴ ወልዱ፡ መንእሰያትን ተመሃሮን ንዝወሰድዎ ተበግሶ ንኢዱ።

Categories