ኤርትራውያን ነበርቲ ካምፓላ – ኡጋንዳ፡ ካይሮ – ግብጺ፡ ሞምባሳ – ኬንያን ዝተፈላለያ ከተማታት ሩስያን፡ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ናጽነት ብድምቀት ጸምቢሎም።

ብ29 ግንቦት ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ኣቶ መሓመድ ሱሌማን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ንኹሉ ዘጋጠሞ ተጻብኦታት መኪቱ ብዓወት ክወጽእ ምኽኣሉ፡ መርኣያ ፍቕሩ ንናጽነትን ተሪር ሓድነቱን ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ ኣቶ ጌታቸው በቀለ፡ ከቢድ ብድሆታት ሰጊሩ ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ ዝበጽሐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝቕጽል መድረኽ ህንጸትን ልምዓትን ሃገር እውን – ዳግማይ ቅያ ከምዝሰርሕ ዘጠራጥር ከምዘየለ ኣብሪሁ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ሪፓብሊክ ግብጺ – ኣብ ከተማ ካይሮ ኣብ ዝወደብዎ መደብ፡ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ናጽነት፡ መሰጋገሪ ናብ ሓድሽን ትስፉውን መድረኽ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ጥርናፈኦም ኣደልዲሎም መድረኻዊ ተልእኾታት ንምዕዋት ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

ኣምባሳደር ፋሲል ገብረስላሴ፡ “ብረዚን መስዋእቲ ህዝባ ናጽነታ ኣረጋጊጻ ልኡላውነታ ዝዓቀበት ሃገርና፡ ብጥሙር መኸተናን ኣበርክቶናን ራኢኣ ከምዝሰምር ርጉጽ’ዩ” ኢሉ።

ኣባላት ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮም ኣብ ሞምባሳ – ኬንያ እውን፡ ብውሱን ሱታፌ ብ29 ግንቦት በዓል ናጽነት ሃገሮም ጸምቢሎም።

ብማህደረ-ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ፈደረሽን ሩስያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተመሃሮ፡ ንዘሎ ብልጫታት ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ተጠቒሞም – “ወትሩ ንኹሉ ድሉዋት” ብዝብል ቴማ በዓል ናጽነት ሃገሮም ጸምቢሎም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈደረሽን ሩስያ – ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ፡ “ናጽነት ህያብ ስዉኣትና፣ ሓድነታ ዝዓቀበት ብልጽግትን ስልጥንትን ኤርትራ ምህናጽ ድማ ህያብና ንስዉኣትና” ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ንብልጽግናኣ ክሰርሑ ዘለዎ ኣምነት ገሊጹሎም።

Categories