ኣብ 1979 ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝተመስረተ – ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ (ሃማደኤ)፡ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ብምንጋስ፡ ኩሉ ጾታ ማዕረ መሰል ዝረኽበላ ስልጥንቲ ሃገር ንምውናን ኣብ ዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ምቕሉል ኣበርክቶ ከምዝገበረን ዘተባብዕ ገስጋስ ከምዘመዝገበን ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ማሕበር ወ/ሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ሃማደኤ ኣብ ውሽጢ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ዕላማታት ዝነጥፍን ንምዕዋቱ ዝሰርሕን እምበር – ንበይኑ ተነጺሉ ዝሰርሕ ከምዘይኮነ ብምምልካት፡ ንቕሓት ሕብረተሰብ ኣብ መሰላት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምብራኽ፣ ቁጠባዊ ዕብየት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋጽን ኩሉ-መዳያዊ ተሳታፍነተን ኣብ ምዕዛዝን ዘተኰረ ሓያሎ ስራሓት ከምዘሰላሰለ ኣረዲኣ።

ቁጠባዊ ዓቕሚ ደቂ-ኣንስትዮ ንምዕባይ፡ ከከም ደረጃኡ መበገሲ ዝኸውን ናይ ልቓሕ ዕድላት ተራሕዩ ከምዘሎ፡ ዛጊት ድማ 14 ሽሕ ኣባላት ኣብ ንግዳውን ሕርሻውን ንጥፈታት ተዋፊረን ምህላወን ሓቢራ።

ሞያ ኣጥርየን መነባብሮአን ንኸመሓይሻ እውን፡ ድሕሪ ናጽነት ንኣስታት 18 ሽሕ ደቂ-ኣንስትዮ ዝተፈላለየ ሞያዊ ስልጠናታት ከምእተዋህበ፣ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ድማ፡ 3 ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ደገፍ ከምእተገብረ ገሊጻ።

Categories