ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣቦመንበር ልዑላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣልጀምሁርያ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ሓባራዊ ታሪኽን ክብርታትን ንዝተመርኰሰ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ንምድልዳል ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ ክልተኣዊ ምትሕብባር ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ጸጥታውን ወተሃደራውን ዓውድታት ንምትግባር፡ ጻዕሮም ከሐይሉ እውን ተሰማሚዖም፡፡

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ጀነራል ኣልቡርሃንን፡ ካብ ክልተኣዊ ዝምድና ብዝሰፍሐ፡ ምትሕብባር ቀርኒ ኣፍሪቃ ክዉን ንምግባር ብመራሕቲ ዞባ ዝተጀመረ ምምኽኻርን ጻዕሪን ክቕጽል፡ ሓባራዊ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣብ እዋናዊ ዞባዊ ጉዳያት ብዕምቈት ዘትዮም።

ብድሕሪ’ዚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ውህደት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ እቲ ዝበለጸ መገዲ ንምፍታሕ ግድላት ዞባን ምጥቃም ግዙፍ ሰባውን ባህሪያውን ጸጋታቱን ምዃኑ ኣረጋጊጾም።

“ግድላት ሃገራት ዞባና ዝተኣሳሰረን ንሓድሕዱ ዝጸላሎን ብምዃኑ ብተናጸል ምፍትሑ ኣሸጋሪ እዩ” ዝበሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክን፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዞባዊ መቓን፡ ሱዳንን ኤርትራን ክልተኣዊ ዝምድናአን ንምምዕባል፡ ብውሑዳት ዝተጨበጡ ፕሮጀክትታት ክጅምሩ ተሰማሚዖም።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣምባሳደር ዒሳ ኣሕመድ ዒሳን፡ ብወገን ሱዳን ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር መርየም ኣልሳድቕ ኣልማህዲ እትርከቦም ሰብ-መዚ ተረኺቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት እዩ፡ ንናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ፡ ትማሊ ቅድሚ ቐትሪ ካርቱም ኣትዩ።

ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ኣብ ዝኣተወሉ፡ ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ብናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ኣቀባብላ ገይሩሉ።

ኣብ’ቲ ናይ ምቕባል ስነ-ስርዓት፡ ብወገን መንግስቲ ሱዳን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ መርየም ኣል-ሳድቕ ኣል-ማህዲ እትርከቦም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን፡ ብወገን ኤርትራ ድማ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣምባሳደር ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ ተረኺቦም ነይሮም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሓቢሮም ተጓዒዞም ኣለዉ5

Categories