ትማሊ 4 ግንቦት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 8 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ንሳቶም ድማ፡ 5 ኣብ ኦምሓጀር፡ ሓደ ኣብ ዓሊግድር – ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ክልተ ድማ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ተዓቚቦም ዝጸንሑ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ 3፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ 4 – 7 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 3681 በጺሑ ኣሎ። 3503 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 12 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 166 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 04 ግንቦት 2021

Categories