ኣብ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ – ምምሕዳራት ከባቢ ባዳ፡ ዓዳይቶ፡ ኢንገል፡ ገልዓሎ፡ ዓሳ-ዒላን ካልእ ከባቢታትን ዝተራእየ ኩብኩብታ ኣንበጣ ምድረ-በዳ፡ ብዝተኻየደ ውሁድ ጻዕሪ፡ ከየስፋሕፍሐን ምንፋር ከይጀመረን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ።

ኣብ’ቲ ወፍሪ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ምስ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ፡ ምምሕዳር ከባብን ሓረስቶትን ብምውህሃድ ኣድማዒ ንጥፈታት ከምዘካየዱ ዝሓበረ ሓላፊ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዩሱፍ ሑሴን፡ እቲ ሓደጋ ከምእተኣልየ ገሊጹ።

እቲ ተርእዮ ኣብ ወቕቲ ምህርቲ ብምኽሳቱ፡ ተረፍ-መረፍ ከይህልዉ ኩሉ ዓቕምታት ብምውፋር መድሃኒት ይነጽገሉ ከምዘሎ፡ ኣቶ ዩሱፍ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ካብ የመንን ኢትዮጵያን ዝሰገረ ዕስለታት ኣንበጣ ምድረበዳ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ባዳ፡ ዓዳይቶ፡ ኢንገል፡ ገልዓሎን ዓሳ-ዒላን ከምእተራእየ ዝጠቐሰ ወኪል ኤሪና፡ ሞያውያን ሕርሻ፡ ምምሕዳራት፡ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ብዝገበርዎ ውሁድን ሓያልን ዕማም ከምዝጠፍአ ይፍለጥ።

እንተዀነ ግን፡ እቲ ባልዕ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ገና ይርአ ስለዘሎ፡ ነበርቲ ብሓፈሻ ሓረስቶት ድማ ብፍላይ ምክትታሎም ከሐይሉ፣ ዝዀነ ተርእዮ ኣንበጣ ምስ ዝዕዘቡ ከኣ ብኣጋ ንዝምልከቶም ኣካላት ክሕብሩ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ የዘኻኽር።

Categories