ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ሓሸንኪት ሃብቲ ገረብ ብምዕቃብ ከባቢኦም ንምርጋእን ካብ ኣግራብ ዝርከብ ረብሓታት ንምውሓስን ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ፡ ኣተባባዒ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ነበርትን ኣባላት በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣግራብ ማሕበረ-ቁጠባውን ኣከባብያውን ኣገዳስነት ከምዘለዎም ብምጥቃስ፡ ሃብቲ ገረብ ከባቢኦም ብግቡእ ሳላ ዝተዓቀበ፡ ጥሪት ርሑቕ ከይከዳ ክምገባን ከጽልላን፣ ፍግረ-መሬት ክግታእ፣ ህዝቢ ድማ ብኣገባብ ንዘቤታዊ ሃልኪ ዝኸውን ዝነቐጸ ኣዕጫው ክጥቀም ክኢሉ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

“ሃብቲ ገረብ፡ ምስ ህይወትና ጥቡቕ ምትእስሳር’ዩ ዘለዎ” ዝበሉ ነበርቲ፡ ሓለውቲ ብምቑጻርን ነፍሲ-ወከፍ ነባሪ ዝከታተለሉ ሜላ ብምፍጣርን፡ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከብ ሃብቲ ገረብ ዝገብርዎ ምክንኻንን ዕቃበን ከምዝቕጽልዎ ኣረጋጊጾም።

ወኪል በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ያሲን ዓሊ ብወገኑ፡ ዕቃበ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ንዝተወሰኑ ኣካላት መንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ከምዘይኮነ ብምንጻር፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ሓሸንኪት ዝገብርዎ ዘለዉ ክንክንን ሓለዋን፡ ብኻልኦት ከባቢታት ክሰዓብ ተላብዩ።

Categories