ኣብ ሓውሲ ደሴት ቡሪ ዘሎ ባህሊ ዕቃበ ኣግራብ ብሓፈሻ መበቈላዊ ኣግራብ ድማ ብፍላይ ዝምስገን ምዃኑ፡ ሓላፊ በዓል-መዚ ምቊጽጻር ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣብ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ኣቶ መሓመድ ኣሕመድ ገሊጹ።

ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣቶ መሓመድ፡ ባህሊ ምዕቃብ ሃብቲ ገረብ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ምስሳን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዘለዎ ኣበርክቶ፡ ጥዕናውን ማሕበረቊጠባውን ረብሓታት ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ካልኦት ከባቢታት’ውን ነዚ ሰናይ ባህሊ’ዚ ክስዕብዎ ጸዊዑ።

ካብ ከበሳ ዝወርድ ወሓይዝ፡ ኣብ ልዕሊ ሃብቲ ገረብ ከቢድ ዕንወት ከምዘውርድ፡ ሎሚ ዓመት ብዝነበረ ክራማት ንዝወደቐ ልዕሊ 10 ሽሕ ኣግራብ ብምጥቃስ ዝሓበረ ኣቶ መሓመድ፡ እቲ ናይ ምዕቃብ ባህሊ ኣብ ቦትኡ እናሃለወ፡ ናይ ምግራብ መደባት’ውን ክተኣታቱ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ከባቢ ብርክት ዝበለ ዓይነታት መበቈላዊ ኣግራብ ከምዘሎ ዝሓበሩ ዓበይቲ ዓዲ ብወገኖም፡ ኣይኰነንዶ ገረብ፡ ኣቚጽልቲ ይኹን ጨንፈር ምቚራጽ ክልኩል ምዃኑ ገሊጾም።

መበቈላዊ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ንምዕቃብን ንምስሳንን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ምስ በዓልመዚ ምቊጽጻር ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ከምኡ’ውን ሚኒስትሪ ሕርሻ ተወሃሂዶም ይነጥፉ ከምዘለዉ ጠቒሶም ድማ፡ ዝወጽእ መደባት ንምዕዋት ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

ሓውሲ ደሴት ቡሪ፡ ንምምሕዳራት ከባቢ ኢንገል፡ ድሉሕ፡ መካዕኒለን ገለ ክፋል ምምሕዳር ከባቢ በርዶሊን የጠቓልል።

Categories