ከም ኣካል መኸተ ‘ኮቪድ-19’፡ ኣብ ሓሙሽተ ዓድታት ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ፡ 2.3 ሚልዮን ናቕፋ፡ ንጽጉማት ስድራ-ቤታት ብመልክዕ ገንዘብን ዓይነትን ተኸፋፊሉ።

ብመሰረት ሓበሬታ ወኪል ኤሪና፡ ኣብ ዓዲ-ሓንስ ዋጋ ኣስታት 790 ሽሕ ናቕፋ እኽሊ ን480 ስድራ-ቤታት፣ ኣብ ዓዲ ወርሒ-ሰብን ከባቢኣን ድማ ዋጋ ኣስታት 868 ሽሕ ናቕፋ እኽሊ ን235 ስድራ-ቤታት ክከፋፈል እንከሎ፡ 461 ሽሕ ናቕፋ ከኣ ን202 ስድራቤታት ብጥረ ገንዘብ ተዓዲሉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ደቂ-ዳሽም ዋጋ 108 ሽሕ ናቕፋ እኽሊ ን100 ስድራ-ቤታት፣ 93 ሽሕ ናቕፋ ድማ ብጥረ ገንዘብ ን42 ስድራቤታት ክከፋፈል እንከሎ፡ ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ተወላዲ ደቂ-ዳሽም ዘወፈዮ 210 ሽሕ ናቕፋ ን70 ስድራቤታት ከምእተመቓርሐ፡ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዴዳ ኣስታት 160 ሽሕ ናቕፋ ን84 ስድራቤታት፣ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሊባን ድማ ኣስታት 45 ሽሕ ናቕፋ ን89 ስድራቤታት ተኸፋፊሉ።

Categories