ኤርትራውያን ነበርቲ ለንደን – ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኖርድ-ራይን፡ ቬስትፋልያን ፍራንክፈርትን – ጀርመን፣ ሲንሲናቲ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን፡ ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ ብ23 ለካቲት ንኤርትራውያን ነበርቲ ለንደን ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣምባሳደር እስቲፋኖስ፡ ነዚ ዞባ ናብ መድረኽ ሽርክነት ዘምጽእ ዘሎ ናይ ሰላምን ምትሕብባርን ሃዋህው፡ ውጽኢት ሓያል ጽንዓትን መኸተን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብምሕባር፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ብልዑል ንቕሓት ክነጥፈሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ብኻልእ ወገን፡ “ቁጠባዊ ወፍሪ፡ ጸጋታትን ዕድላትን ኣብ ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ንተራ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ – ኣብ ምዕባለ ቁጠባ ሃገሮም ብዝምልከት፡ ብ22 ለካቲት ንኤርትራውያን ነበርቲ ኖርድ-ራይን-ቬስትፋልያ – ጀርመን ሰሚናር ተኻዪዱ።

ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ፡ ኣብ ዕድላት ወፍርን ኣገዳስነቱን መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ብውልቅን ብጉጅለን ተረባሕቲ ናይ’ቲ መደብ ክኾኑ ጸዊዑ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ፍራንክፈርት ድማ፡ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ስርሒት ፈንቅል – ብ22 ለካቲት ጽምብል ኣካዪዶም።

ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ነበርቲ ከተማ ሲንሲናቲ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብወገነን፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ 8 መጋቢትን መበል 40 ዓመት ምምስራት ሃማደኤን፡ ብ22 ለካቲት ብድምቀት ጸምቢለን።

Categories