ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ምምሕዳር ከባቢ ጋሕቴላይ፡ ብኩባንያ ህንጻ ገደም እናተኣልየ ካብ 2016 ጀሚሩ ዝህነጽ ዘሎ ዲጋ ጋሕቴላይ፡ ካብ ቀንዲ ህንጻዊ ስራሓቱ 95 ሚእታዊት ከምእተዛዘመ፡ ነቲ ስራሕ ዝመርሕ ዘሎ ጆሜትራ ዳኒኤል መብራህቱ ሓቢሩ።

ኣብ ሰለስተ ገጻት ተኸፋፊሉ ዝህነጽ ዘሎ ዲጋ ጋሕቴላይ፡ ጸገም ዝስተ ማይ ናይ’ቲ ከባቢ ብሓፈሻ ናይ ከተማ ባጽዕ ድማ ብፍላይ ዝፈትሕን፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ኣብ ዝካየድ ሕርሻዊ ልምዓት ልዑል ኣበርክቶ ዝገብርን ብምዃኑ፡ መንግስቲ እኹል ዓቕሚ-ሰብን ማሽነሪታትን ከምዘዋፈረሉ ሓቢሩ።

ውህሉል ተመኵሮ ናይተን ኣቐዲመን ዝተሃንጻ ዲጋታት፡ ኣብ’ቲ ስራሕ ተወሳኺ ብልጫ ኮይኑ ከምዝቐረበ እውን ኣረዲኡ።

ዲጋ ጋሕቴላይ – ናይ ፈለማ ብኮንክሪት ጥራይ ዝተሃንጸን ዓቢ ተመኵሮ ዝተቐስሞን ምዃኑ ዝሓበረ ጆሜትራ ዳኒኤል፡ ካብ 46 ክሳብ 50 ሚልዮን ሜተር ኲብ ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሚን ናይ 3.5 ኪሎ-ሜተር መደቀሲ ማይን ስለዘለዎ፡ ኣብ ትሕቲኡ ዝርከብ ልዕሊ 10 ሽሕ ሄክታር መሬት ንምልማዕ መደባት ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ዲጋ፡ ሩባ ደማስ እውን ናብኡ ንምእላይ ይስራሓሉ ከምዘሎን፡ ካልኣይን ሳልሳይን ገጻቱ ኣብ 2021 ንምዝዛም ዕቱብ ጻዕሪ ይካየድ ምህላዉን ድማ ሓቢሩ።

ምስ’ዚ ኣብ ዝተኣሳሰር፡ ሰራሕተኛታት ትካል ውህለላን ንኡስ ልቓሕን (መውል)፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዑደት ብምክያድ፡ ዲጋ ጋሕቴላይ፡ ቤተ-መዘክር ዞባን ትካል መፍረ ፕላስቲክን በጺሖም።

እቶም 260 ዝኾኑ ኣባላት፡ ድሕሪ ትዕዝብቶም – “ብሩህ መጻኢ ኣብ ቅድመና ኣሎ” ክብሉ ገሊጾም።

Categories