ኩባንያ መጐዓዝያ ሓራት፡ ካብ ኣስመራ ተበጊሱ ንሽድሽተ ዓድታት ዞባ ማእከል ኣገልግሎት ዝህብ ሓድሽ መስመር ከፊቱ።

እተን በዚ ብ22 ለካቲት ኣገልግሎት ዝጀመረ መስመር ዝጥቀማ ዓድታት፡ ሽማንጉስ ታሕታይ፡ ሰረጀቓ፡ ዓደኮሎም፡ መቐርካ፡ ዑናናላይን ጣዕረሺን እየን።

ብምኽንያት ምጅማር’ቲ መስመር ኣብ ሽማንጉስ ታሕታይ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣቶ ክፍለማርያም ገብረመስቀልን ሓላፊ ኦፐረሽን ኩባንያ መጐዓዝያ ሓራት ኣቶ ንጉሰ ገብረእግዚኣብሄርን፡ እቲ መስመር ብህዝቢ ቀጻሊ ጽገናን ምክትታልን ክግበረሉ ኣዘኻኺሮም።

ነበርቲ፡ ብናይ ውልቂ መካይን ኣብ 35 ኪሎ-ሜተር ንሓደ ሰብ ልዕሊ 30 ናቕፋ ክኸፍሉ ምጽንሖም ብምሕባር፡ ሎሚ ንተመሳሳሊ ርሕቀት 11 ናቕፋ እናኸፈሉ ክግልገሉ ብምዃኖም ሓጐሶም ገሊጾም።

ተመሃሮን ወለድን ብወገኖም፡ እቲ ዓወት ድምር ውጽኢት ጻዕሪ ወለዲ፡ ቤት-ትምህርትን መማህራንን ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ ምሕያል ስሉሳዊ ዝምድና ዝያዳ ክስራሕ ኣዘኻኺሮም ።

Categories