ኣብ መንጎ ዓድታት ሊባንን ሓበላን፡ ብሰንኪ ናይ ሕርሻን መጋሃጫን መሬት – ን118 ዓመታት ዝቐጸለ ምስሕሓብ፡ ብ22 ለካቲት ኣብ ትንሽኣይ – ንኡስ ዞባ መንሱራ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ብዕርቂ ደቂሱ።

ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ነበርቲ ንኡሳን ዞባታት ሎጎ-ዓንሰባን መንሱራን፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ናይ’ተን ዓድታትን ዕድመ ዝተገብረሎምን ዝተሳተፍዎ ወግዓዊ ናይ ዕርቂ ስነ-ስርዓት፡ ሰነድ ዕርቂ ክታም ተነቢሩሉ፣ ኣብ መጽናዕትን መስርሕ ዕርቅን ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላት ድማ፡ ናይ ምስጋና ወረቐት ተዋሂቡ።

እቲ ናይ ዕርቂ ሰነድ፡ ክልተ ዓበይቲ ጉዳያት – ማለት ንኣደቓቕሳ ናይ’ቲ ብክልቲኡ ወገን ዝወረደ ናይ ሂወትን ማልን ክሳራታት፡ ከምኡ’ውን ንቐጻሊ ምሕደራን ተጠቃምነትን ናይ’ቲ ከከራኽር ዝጸንሐ መሬት ዘጠቓለለ እዩ።

ምክብባርን ምክእኣልን መለለዪ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ ዝጠቐሱ ኤሪና ዝተወከሰቶም ነበርቲ፡ ኣብ መንጎኦም ዝጸንሐ ገዛእቲ ዘንቀልዎን ዝሓላለኽዎን ምስሕሓብ ዋንነት መሬት – ብዕርቂ መዕለቢ ምርካቡ ኣዝዩ ከምዘሐጐሶም ገሊጾም። (ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ስነ-ስርዓት ዝሓዘ ጸብጻብ፡ ኣብ ገጽ 3 ኣሎ)

Categories