ሃማመተኤ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ መደባት – 2020 ኣብ ዝዘተየሉ፡ ምሕብሓብ ስድራ ስዉኣት ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ መደባት ማሕበር ጥቡቕ ምክትታል ክግበረሉ፡ ኣብ ሽማግለ ኣዕሩኽ መንእሰያት ዝጸንሐ ኣተኲሮ ክሕይል፡ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ወነንቲ መደባቶም ኮይኖም ዝሰርሑሉ ባይታ ክጣጣሕ. . . ዝብል ርእይቶታት ቀሪቡ።

ኣብ’ቲ፡ ድኻማት ንምፍዋስ ዕቱብ ስራሕ ክካየድ ለበዋ ዝሓለፈሉ ኣኼባ፡ ውዳቤታት ማሕበር ደልዲሉ ንመንእሰያት ዘማእዝን ኣድማዒ ዕማማት ንምክያድ፡ ተራን ኣበርክቶን ማሕበርን መሻርኽቱን ወሳኒ ምዃኑ ተሓቢሩ።

Categories