ኤርትራ፡ “ምዕባስ ኣፈ-ሙዝ ጠበናጁ፡ ምፍጣር ምቹእ ሃዋህው ንምዕባለ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ – ካብ 9 ክሳብ 10 ለካቲት ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝተቓንዐ መበል 33 ስሩዕ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ኣፍሪቃ ተሳቲፋ።

ኣብ’ቲ ዋዕላ፡ ብፈጻሚ ጉዳያት ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃን ኣቶ ቢንያም በርሀ ዝተመርሐ ልኡኽ ኤርትራ ተሳቲፉ።

ኣብ መኽፈቲ ናይ’ቲ ኣኼባ፡ ንኵነታት’ቲ ሕብረት ዝገልጽ ጸብጻብ ብኣቦ-መንበር ባይቶ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ቀሪቡ።

ኣብ’ቲ ጸብጻብ፡ ንተሃድሶ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝምልከት ዝቐረበ ሓድሽ ቅርጺ ኣብ ዋዕላ ፈጻሚ ቤት-ምኽሪ ሚኒስተራት ከምዝጸደቐ፣ ንምቅሊት-ዕዮ ኣባል ሃገራት፡ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ቁጠባዊ ኮማትን ዘነጽሩ ሕጋዊ ፕሮቶኮላት ከምዝጸደቑ፣ ግብራውነት ውዕል ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ዝከታተል ቤት-ጽሕፈት – ካብ 31 መጋቢት 2020 ኣብ ጋና ስርሑ ክጅምር ምእንቲ ዘድሊ መስርሕ ኣብ ምጽፋፍ ከምዝርከብ በሪሁ።

ብዘይካ’ዚ፡ ንተግባራውነት ናይ’ቲ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ (AfCFTA)ን ምውህሃድ ኣህጉር ኣፍሪቃን ዝምልከት ፍሉይ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2020 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ምዃኑ፡ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ ኣሎ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ጉዳይ ሰላምን ርግኣትን መሰረት ናይ ኩሉ ስለዝኾነ፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ግብራዊ ስጉምትታት ዘይምህላዉን ግዳማዊ ምትእትታው ኣብ ምትሕልላኽ ናይቲ ጸገማት ኣሉታዊ ተራ ይገብር ከምዘሎን – ንጉዳይ ሊብያ፡ ዞባ ሳሕል፡ ደቡብ ሱዳንን ካልኦትን ድሕሪ ምጥቃስ፡ ንቃልሲ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ዝምልከት ፍሉይ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣብ 2020 ክካየድ እማመ ቀሪቡ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ስልጣን ኣቦ-መንበርነት ናይ’ዚ ዓመት ብምቕባል፡ ስርሓ ጀሚራ።

ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣቦ-መንበርነት ናይ 2020 ኣብ ዝተረከበሉ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጉዳይ ምሕያል ደቂኣንስትዮ ካብ ኣገዳስቲ ቀዳምነታት ኣህጉር ኣፍሪቃ ወሲዱ ክሰርሓሉ ምዃኑ ብምሕባር፡ ካብ 2020 ክሳብ 2030 ዘሎ ግዜ፡ ከም “መድረኽ ምሕያል ደቂኣንስትዮ ኣህጉር ኣፍሪቃ” ተወሲዱ ክስራሓሉ መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከም ምክትል ኣቦ-መንበር ናይ 2020ን ኣቦመንበር ናይ 2021ን፡ ማሊ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ከም ካልኣይ ኣቦ-መንበር፡ ኬንያ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከም ሳልሳይ ኣቦመንበር፡ ግብጺ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ድማ ከም ‘ራፖርተር’ ተመሪጸን ኣለዋ።

ብኻልእ ወገን፡ ኤርትራ ዝተሳተፈቶ መበል 36 ኣኼባ ፈጻሚ ቤት-ምኽሪ ሚኒስተራት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ – ካብ 6 ክሳብ 8 ለካቲት ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ፈጻሚ ቤት-ምኽሪ ሚኒስተራት፡ ንነዊሕ ግዜ ክስራሓሉ ዝጸንሐን ካብ 2021 ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝጅምርን ሓድሽ ቅርጺ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ’ውን ብኮሚተ ቀወምቲ ወከልቲ ዝቐረበ ንምሕደራ፡ ባጀት፡ ምቅሊት-ዕዮን ካልእን ዝምልከት እማመታት ኣጽዲቑ።

Categories