ባይቶ ዞባ ደቡብ፡ “ዕዙዝ ተሳትፎ ንምውሓስ ሰላምን ምዕባለን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብ6 ለካቲት – መበል 19 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣቃኒዑ።

ኣቦ-መንበር ባይቶ መምህር ወልዳይ ገብረ፡ ህዝቢ ምዕሩይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ምሕደራን ቁጠባዊ ዕብየትን ከምዝረክብን፡ ኣብ ኩሉ ሃገራውን ዞባውን ዕማማት ከምዝሳተፍን ንምግባር – ተልእኾ ኣባላት ባይቶ፡ ብሓፈሻ ድማ ናይ ኩሎም ኣካላት መንግስቲ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

መምህር ወልዳይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ሕርሻ ንዘጋጠመ ባህርያዊ ሓደጋታት ዝናብ – ጸያቕ ማዕጺድን ወራር ኣንበጣን ንምምካት፡ ብምውህሃድ ሓይልታት ምክልኻል፡ ሚኒስትሪ ሕርሻን ምምሕዳራትን ንዝተወስደ ዕዉት ስጉምትታት ኣመስጊኑ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብትኣብ ተስፋጽዮን ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ንኡሳን ዞባታት ካብ ዝቐረቡ ጉዳያት ህዝቢ፡ እቶም ልዕሊ 72 ሚእታዊት ከምእተፈትሑ፡ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ’ቲ ዞባ ዝተሳተፎ ወፈራ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምጽጋን ጽርግያታትን ራህያታትን ከምእተሳለጠ ገሊጹ።

ምእካብ ግብሪ ሕርሻ-ገጠርን እንስሳ ዘቤትን ከምቲ ዝድለ ከምዘይተተግበረ ዝሓበረ ኣቶ ሃብትኣብ፡ ፋሉላት ኣኽላባትን ብኣኦም ዝስዕብ ሕማም ዕቡድ ከልቢን ንምውጋድ ብዕቱብ ይስርሓሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣባላት ባይቶ፡ ብሓለፍቲ ክፍልታት ዞባ፡ ጨናፍር ሚኒስትሪታት፡ ማሕበራትን ኣካላት ጸጥታን ንዝቐረበ ጸብጻባት ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣብ ኣገልግሎት መጐዓዝያን መራኸቢታትን፡ ትካላት ጥዕና፡ ሕርሻዊ ንጥፈታት፡ ዋጋታት ሃለኽትን ክራይ መንበሪ ኣባይትን ንዝርአዩ ሕጽረታትን ጉድለታትን ብዕምቈት ዘትዮምሉ።

ኣብ መወዳእታ፡ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይን ድንሽን ጽቡቕ ውጽኢት ስለዝሃበ – ሚኒስትሪ ሕርሻ ንዝርጋሐኡ ክጽዕር፡ ብተበግሶ ዓድታት ዝህነጹን ዝጽገኑን ጽርግያታት ብማሽነሪታት ክድገፉ፡ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ልምዓት ክሕይል፡ ቤት-ምኽሪ ከተማታት ክቘሙ ዝብሉን ካልኦትን ውሳነታትን ለበዋታትን ኣሕሊፎም።

Categories