ናብ ቦታታት ልምዓት ብ4 ለካቲት ዑደት ዘካየዱ መንእሰያት ዞባ ደቡብ፡ መሰረት ብሩህ መጻኢ ዝኾኑ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ከምእተዓዘቡ ገሊጾም።

እቶም ካብ 12 ንኡሳን ዞባታት ዝተወከሉ ተመሃሮን ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስትን ዝርከብዎም 370 መንእሰያት፡ ትሕተ-ቅርጺ ምኽዛን ማይን መደባት ምርባሕ እንስሳታትን እዮም ተዓዚቦም።

ኣብ’ቲ ፕሮጀክትታት ኣብ ዝበጽሑሉ ድማ፡ ንሓፈሻዊ ኣተሃናንጻ ዲጋታት ምስላምን ጠቐራን ዝሕዛኦ ዓቐን ማይን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሓልሓለ ዝካየድ ዘሎ ፕሮጀክት ምርባሕ ናይ ጸባ ከብትን ምልማዕ ሓምላይ መግቢ እንስሳን፡ መብርሂ ተዋሂብዎም።

እቶም ዑደተኛታት፡ ዝተዓዘብዎ ፕሮጀክታት ንብቕዓትን ናይ ምግባር ዓቕሚን መንእሰያት ዘጒልሕ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ብምሕባር፡ ተመሳሳሊ ዑደት በብከባቢኡ ክውደብ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም።

Categories