ነበርቲ ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ፡ ብትካላት ጥዕና’ቲ ንኡስ ዞባ ብዝወሃቦም ኩልንትናዊ ኣገልግሎትን ምኽርን ንቕሓቶም ሳላ ዝበረኸ፡ ከባብያዊ ጥዕና ንምሕላው ኣብ ዝካየድ ጻዕርታት ተሳታፍነቶም እናዓዘዘ ይመጽእ ምህላው ተገሊጹ።

ሓላፊ ትካላት ጥዕና’ቲ ንኡስ ዞባ ነርስ ኤልያስ የማነ፡ ቊጽሪ ኣብ ማእከል ጥዕና ሓመልማሎ ዝግልገሉ ዜጋታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ጠቒሱ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 5 ሽሕን 400ን እናተመላለሱ፡ 344 ድማ ደቂሶም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምዝረኸቡ ገሊጹ። 545 ነብሰ-ጾራት ክትትል ቅድመ-ሕርሲ ከምዝገበራን ኣስታት 180 ኣብቲ ማእከል ጥዕና ከምእተገላገላን እውን ሓቢሩ።

ንልዕሊ 16 ሽሕ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ንዝሮን፡ ሓመልማሎ፡ ዋዝንተትን ገንፈሎምን እተገልግል ማእከል ጥዕና ሓመልማሎ፡ ኣብ 2006 እያ ስራሓ ጀሚራ።

Categories