ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት፡ ብኤሪ ቲቪን ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ብቐጥታ ዝተፈነወ – ኣብ ዘቤታውን ዞባውን ጉዳያት ዘተኮረ ቃለ-መሕትት ኣካዪዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንገስጋስ ናይ’ቲ ሓሙሽተ ኣዕኑድ ዝሓቘፈ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ዝነበረ ኩነታት፡ ትርጉም ዘይብሉ ኣብ’ቲ እዋን ብዝነበረ ስርዓት ዝተፈጥረን ብናይ ግዳም ሓይልታት ዝተደረኸን ምንባሩ፡ እቲ ኣብ መፋርቕ 2018 ዝተኸስተ ናይ ሰላም መድረኽ ግን፡ ንኽልቲኡ ህዝብታት ናብ ሓድሽ መድረኽ ዘእቱ ምዃኑ ኣረዲኡ።

እቲ ስምምዕ ምትግባሩ ከም ዘይተርፎ፡ እንተኾነ – ካብኡ ንላዕሊ ዘሰክፍ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረን ዝቕጽል ዘሎን፡ ጸቢብ ጃንዳ ዝደጎሎ ፖለቲካዊ ኤትኒካዊ ምትፍናንን፡ ኣሉታዊ ተራ ናይ ግዳም ሓይሊታትን ኣብ ቦታኡ ምህላዉ ምዃኑ ድማ ኣገንዚቡ።

ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ናይ ዓመትን መንፈቕን ግዜ፡ ኣብ ቀንዲ ጉዳያት ብምድሃብ – ዘጋጥሙ ዝተፈላለዩ ምሕንዃላት እናተኣለዩ ዝምድናታት ክልቲኤን ሃገራት ንምሕያል ክስራሕ ከምዝጸንሐ፡ እዚ ጻዕርታት’ዚ ግን ዋላ’ኳ ዓቢ ለውጢ ኣየምጽእ፡ በጺሑዎ ዘሎ ምዕባለ ግዳ ቀሊል ከምዘይኮነ ኣረዲኡ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣትሒዙ ዘጋጠምዎ ዝተፈላለዩ ሽርሕታትን ተጻብኦታትን፡ ሓዪሉ ንኽወጽእን ውዳቤኡ ከትርርን ከምዘኽኣልዎ ብምጥቃስ፡ “እዚ ድምር ተመክሮታት’ዚ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዘጋጠሞ ብኹሉ ሸነኻቱ ዝኸፍአ ተጻብኦታት፡ ልኡላውነቱን ሓርነቱን ሓልዩ – ንቕሓቱ፡ ሓይሉን ውህደቱን ኣትሪሩ ክምክቶን ክብድሆን ምኽኣሉ፡ ሞሳ ዝግባኦ እዩ” ኢሉ።

እዚ ሰባዊ ጸጋ’ዚ ከምዘለዎ ተዓቂቡ ናብ ወለዶታት እናተወራረሰ ክቕጽል ከምዝግባእ ድማ ኣገንዚቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሱዳን መጺኡ ዘሎ ለውጢ፡ ምስ ወሽመጥ ዓረብ ዘለና ዝምድናን ካልእን እውን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ ኣሎ።

Categories