ብምኽንያት ጽምብል መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ዝተዳለወ፡ ብመኰነን ሓበሬታን ጐስጓስን ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፡ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን መሓዛ ኤርትራ ሽወደናዊ ዶናልድ ቡስትሩምን ዝተዳለወ ምርኢት ኤግዝቢሽን፡ ትማሊ ዓርቢ 7 ለካቲት ብጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ-ስዒድ ተኸፊቱ።

እቲ ኣብ ኣርባዕተ ዳሳት ተጠቓሊሉ ዘሎ ምርኢት፡ ንጥንታውን ታሪኻውን ቅርስታት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ንጥፈታት ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪን ዝገልጽ ትሕዝቶ፡ ብኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ዝተዳለወ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦ፡ ንመነባብሮን ጽንዓትን ተጋዳላይ ዝገልጽን፡ ግፍዕታት መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ነበርቲ ባጽዕ ዘንጸባርቕን እዩ።

ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ቱሪዝም ወ/ሮ ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ ሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ ኣቶ ተወልደ ቀላቲ፡ ሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ከምኡ’ውን ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰብ-መዚ ተረኺቦም ነይሮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብኣጋጣሚ ናይ’ዚ ዝኽሪ፡ ትማሊ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ከተማ ባጽዕ – ውድድር ፍርቂ ማራቶን ምብራቕ ኣፍሪቃ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ 21 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነ ውድድር፡ 69 ደቂ-ተባዕትዮን 21 ደቂኣንስትዮን ተወዳደርቲ ተሳቲፎም።

ኣብ’ቲ ብኣህጉራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ – ‘ያፍ’ ኣፍልጦ ዝረኸበ ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ውድድር፡ ኣትለታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳንን ታንዛንያን ተሳቲፎም ነይሮም።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ካብ ደቂተባዕትዮ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሴ – ቀዳማይ፡ ኣትለት ሳምሶን ኣማረ – ካልኣይ፡ ኣትለት ዮናስ ያቆብ – ሳልሳይ ኮይኖም ተዓዊቶም።

ካብ ደቂኣንስትዮ ድማ ቀዳመይቲ ናጽነት ኣማኑኤል፡ ካልኣይቲ ስምረት መርሃዊ፡ ሳልሰይቲ ድማ ሕብረት ደበሳይ ብምዃን ተዓዊተን። ዕዉታት ከኣ ዋንጫን ገንዘባዊ ሽልማትን ተዓዲሎም።

እቲ ናይ ዝኽሪ ጽምብል፡ “ፈንቅል ንልምዓት” ብዝብል ቴማ፡ ክሳብ 9 ለካቲት ብዝተፈላለዩ ስፖርታውን ስነጥበባውን መሰናድኦታት፡ ሰሚናራትን ካልእ ትሕዝቶታትን ማዕሪጉ ክቕኒ እዩ።

Categories