ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድን፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሞም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ – ሰንበት 26 ሰዓት 6፡00 ናይ ምሸት ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ኣቀባብላ ገይሩሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ኣብ ዝገበርዎ ቀዳማይ ርክብ፡ ነቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ ዝተዘራረቡሉ ጉዳያት ንምስፋሕን፡ መደባት ትግባረኡ ንምሕንጻጽን ኣብ ዘኽእል መዳያት ተመያዪጦም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣማስያኦም፡ ካብ ኣዳራሽ ሃገር ተበጊሶም ብጐደና ሓርነት ኣቢሎም ክሳብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ብእግሪ ተዘዋዊሮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ናይ ክልተ መዓልትታት ዑደቱ ዛዚሙ – ትማሊ ሰዓት 6፡00 ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሃገሩ ተፋንዩ።

ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝተበገሰሉ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብናይ ክብሪ ሰልፊ ኣፋንይዎ።

ሚኒስተር ምክልኻል ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ኣቶ ለማ መገርሳ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓቢሩ መጺኡ ነይሩ።

ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ትማሊ 27 ጥሪ ሰዓት 10፡15 ቅድሚቐትሪ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ኣቀባብላ ገይሩሉ።

ሚኒስተር ፖስታ፡ ቴለኮሚኒኬሽንን ቴክኖሊጂን ኣብዲ ኣሺር ሓሰንን፡ ኣማኻሪ ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ዶክተር ኑር ዲሬ ሕርሲን፡ ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ሓቢሮም መጺኦም ኣለዉ።

ኣብ ክልቲኡ ናይ ምቕባል ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ተረኺቦም ነይሮም።

Categories