ኣብ ከተማ ዓሰብ፡ ፖሊስ ምስ ወነንቲ ትካላት ምምሕዳር ከባቢ ዓሰቡይ ኣብ ምክልኻል ገበን ዘትዩ።
ኣዛዚ 2ይ መደበር ፖሊስ ካፕቴን ተኸስተ ተኽለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ገበን ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ዘኸትል፡ ብባህልን እምነትን ውጉዝ ከምዝኾነ ብምብራህ፡ ወነንቲን ሰራሕተኛታትን ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት፡ ኣብ ከባቢኦም ዘጋጥም ተርእዮታት ገበን ኣብ ምምካት ንቑሕ ተራኦም ክጻወቱ ኣዘኻኺሩ።
“ብክብርታት ሕብረተሰብ ምምልላስ፡ ካብ ገበናትን በደላትን ናጻ ዝገብር’ዩ” ዝበለ ካፕቴን ተኸስተ፡ ኣብ ሕጊ ዘለዎም ኣፍልጦ ንምዕባይ ዝካየድ ጎስጓሳት ብዝለዓለ ክቕጽል ስለዝኾነ፡ ምስ ፖሊስ ዘለዎም ዝምድና ከሐይሉ ተማሕጺኑ።
ሓላፊ ምክልኻል ገበን ኣቶ ሮመዳን ዑመር ብግደኡ፡ ሕጊ ትራፊክ ዘይምኽባር ብሓፈሻ ኣብ ተጠቃምነት ጽርግያ ቀዳምነት ዘይምሃብ ድማ ብፍላይ ንሓደጋ ዘቃልዕ ስለዝኾነ፡ ነበርቲ ብሓፈሻ ተመሃሮ ድማ ብፍላይ ጥንቁቓት ክኾኑ ተላብዩ።
ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባብ ዓሰቡይ ኣቶ ሑሴን ኻልድ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ምክልኻል ገበንን ምውሓስ ጸጥታ ከባቢን ንፖሊስ ጥራይ ዝግደፍ ሓላፍነት ስለዘይኮነ፡ ነበርቲ ምትሕብባሮም ምስ ፖሊስ ከዕዝዙ ጸዊዑ።