ኤርትራን ሶማልያን፡ ንዑደት ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ምኽንያት ብምግባር፡ ትማሊ 11 ጥሪ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺአን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂን፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናን ንኽልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድስ ዞባዊ ምዕባለታትን ሰፊሕን ዓሚቚን ዘተ ከምዘካየዱ ዝጠቐሰ’ቲ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኤርትራን ሶማልያን ብ29 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ዝኸተማኦ “ሓባራዊ ኣዋጅ ምሕዝነትን ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝን”፡ ኣብ ዝምድናአን ብዝተራእየ ዓቢ ዝላ ዕግበቶም ከምዝገለጹ ኣነጺሩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ወሲኾም፡ ምትሕብባር ኤርትራ፡ ሶማልያን ኢትዮጵያን፡ ብመሰረት’ቲ ኣብ ወርሒ መስከረም 2018 ኣብ መንጐአን ዝተበጽሐ ስሉሳዊ ስምምዕ ብጽቡቕ ይግስግስ ምህላዉ፡ ዋላ’ኳ ገለ ብድሆታትን ዕንቅፋታትን እንተሎ፡ ዞባዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኣድማዒን ዘላቒን ምትሕብባር ምቹእ ከምዘሎ ድሕሪ ምግምጋም፡ ነቲ ስሉሳዊ ስምምዕን ሓፈሻዊ ዞባዊ ምትሕብባርን ንምድንፋዕ ጻዕርታቶም ከሐይሉ ኣብ ምርድዳእ በጺሖም።

ብዛዕባ ምዕባለታት ሶማል ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት መሓመድን፡ ንዝተመዝገበ ዘተባብዕ ገስጋስ ብምምጓስ፡ ኣጠቓላልን ምሉእን ዕርቂ ንምስፋን ገና ዕቱብ ስራሕ ስለዝሓትት፡ እቲ ጻዕሪ ብቐንዱ ኣብ ምህናጽ ሃገራዊ ትካላት፡ ኣውራ ድማ ናይ ምክልኻልን ጸጥታን፡ ከምኡ’ውን ዳግመምሕዋይ ቁጠባን ማሕበራዊ ትሕተ-ቅርጽን ብዝለዓለ ክቕጽል ድሕሪ ምርድዳእ፡ ኩሎም ኣዕሩኽን መሻርኽትን ሶማልያን እዚ ዞባን፡ ብመሰረት ቀዳምነታት ሶማላውያን ምትሕግጋዞም ከዕዝዙ ጸዊዖም።

ክልቲኦም መራሕቲ ወሲኾም፡ ሃገራዊ ልኡላውነት፡ ከምኡ’ውን ሰላምን ጸጥታን ሶማልያ ንምሕያልን ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለኣ ንምድንፋዕን፡ ጻዕሪታቶም ከሐይሉ ተሰማሚዖም።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ኤርትራ ንዝተገብረሉ ኣቀባብላን እንግዶትን፡ ከምኡ’ውን ንዘይንቕነቕ ምሕዝነት ኤርትራ ምስ ሶማልያ፡ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ብዕድመ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዝዛዘመሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ስነ-ስርዓት ኣፋንይዎ።

Categories