ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብመንገዲ ትምህርቲ መዛኑ ዝሳለጥ ዘሎ ጥዕናዊ ጐስጓሳት፡ ኣብ ምክልኻል ሕማማት ብሓፈሻ፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣብ ምቁጽጻር ድማ ብፍላይ – እወታዊ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ፡ ብ2 ጥሪ ኣብ ዝተገብረ ገምጋም ተገሊጹ።
ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ብመንገዲ ኣብያተጽሕፈት ሃማደኤ፡ ሃማመተኤ፡ ሃኮሰኤ፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ከምኡ’ውን ሚኒስትሪታት ቱሪዝምን ትምህርትን ዝተሳለጠ ንጥፈታት ትምህርቲ መዛኑን፡ ዝተረኽበ ውጽኢትን ብዝርዝር ቀሪቡ።
እቲ መደብ፡ ኣብ ተኣፋፊ ዕድመን ናይ ስራሕን ቦታን ዝርከቡ ክፋል ሕብረተሰብ፡ ክገብርዎ ዝግባእ ጥንቃቐ ንምስራጽ ዝካየድ ብምዃኑ፡ ብዕቱብ ክድፋኣሉ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።
ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ሓየሎም ኪዳነ፡ ነዚ ምስ ህዝቢ፡ ኣካላት መንግስትን ሃገራውያን ማሕበራትን ብምውህሃድ ዝካየድ መደብ፡ ልዑል ኣድህቦ ከምዝግበረሉ ገሊጹ።
ተሳተፍቲ፡ እቲ መደብ ኣብ ኩለን ናይ መንግስትን ውልቂን ትካላት ብዕቱብ ክስራሓሉ፡ ቀረብ መከላኸሊ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ክወሓስ፡ ኣብ ምክልኻል ዘተኰሩ ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ቀጻልነት ክወሃቦም፡ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።