ፖሊስ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ ባረንቱ ንተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት፡ ከምኡ’ውን ንወነንትን ሰራሕተኛታትን ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ምክልኻል ገበናት ዘተኰረ ኣስተምህሮ ሂቡ።
እቲ ብቐንዱ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ዘድሃበ ኣስተምህሮ፡ ገበናት ቅድሚ ምፍጻሞም ክግበር ብዛዕባ ዝግባኦ ጥንቃቐታትን፡ ነቲ ተርእዮ ንምቁጽጻር ክውሰዱ ኣብ ዘለዎም ስጉምትታትን ዝመክር እዩ።
ኣብ ፖሊስ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ሓላፊ ምክልኻል ገበን ሌተና ኮሎኔል ሃብተጼን ጸሃየ፡ ምክልኻል ገበን ንፖሊስ ጥራይ ዝግደፍ ተልእኾ ከምዘይኮነ ብምሕባር፡ ሕብረተ-ሰብ ንቕሓቱ በሪኹ ተሳታፍነቱ ከዕዝዝ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።
ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ሕጊ ዝቐንዐ ኣስተምህሮ ክቕጽል ተላብዮም።