ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሓልሓል ምስ ምጥርናፍ ዓድታት ዝተኸስተ ጠለብ ትካላት ትምህርቲ ንምምላእ፡ ተወሳኺት ናይ መባእታ ቤትትምህርቲ ይሃንጽ ኣሎ።

እዛ ብ1.5 ሚልዮን ናቕፋ ትህነጽ ዘላን 20 ሚእታዊት መስርሕ ህንጸታ ዝተዛዘመን ቤት-ትምህርቲ፡ ካብ መዓርኪ ደንጒዮም ንዝተጠርነፉ 250 ተመሃሮ ከተገልግል ምዃና ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ቀርጸት ብ750 ሽሕ ናቕፋ ትህነጽ ዘላ መዋእለ ህጻናት፡ 40 ሚእታዊት ካብ መስርሕ ህንጸታ ከምእተሰላሰለ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እዛ መዋእለ-ህጻናት ኣብ ክልተ እብረ 150 ተመሃሮ ከተአንግድ ትጽቢት ይግበረላ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሓልሓል – ምምሕዳራት ከባቢ ማይ-ኣዋልድ፡ ረሀይ፡ ቀርጸትን ገበይ-ኣለቡን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዓድታት ገርበትን ኣበደትን 7 ኮማዊ መዋእል ህጻናት ኣብ ትሕቲ ዳሳት ይምህራ ምህላወን ተፈሊጡ።

Categories