ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምምስራት ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ብደረጃ ዞባ ማእከል ክካየድ ዝቐነየ መሰናድኦታት፡ ብ29 ሕዳር ኣብ ኣስመራ – ቀጽሪ ኤክስፖ ብድሙቕ ኣገባብ ተዛዚሙ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ኣህጉራዊ ማሕበራት፡ ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽን ወከልቲ ደቂኣንስትዮ ዞባ ማእከልን ተረኺቦም ነይሮም።

ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ማእከል ወይዘሮ ኣለም በላይ፡ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ ‘ሰውራ ኤርትራ ደጊም ኣብቂዑ እዩ’ ዝበሃለሉ ዝነበረ ጽንኩር መድረኽ ስትራተጅያዊ ምዝላቕ ምምስራቱ፡ ዓሚቚ ትርጒም ከምዝነበሮ፣ ናጽነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየደ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ዘርኣያኦ ጅግንነት – ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ህዝብታት ዓለምና ሒደት መዳርግቲ ጥራይ ከምዘለዎ፣ እዚ ቅያ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ 28 ዓመታት እውን ብሓደስቲ ወለዶ ከምእተደግመ ብዝርዝር ኣረዲኣ። ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጽላል ማሕበረን ተጠርኒፈን፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነትን ምኽባር ልኡላውነትን ዘርኣያኦ መኸተን ጅግንነትን፡ ኣብ ታሪኽ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ ምዕራፍ ከምዝሕዝ ገሊጹ።

እቲ “ዮሃና! ነታ ሽግ ናጽነትን ትእምርቲ ማዕርነትን ዘድመቐት ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ” ብዝብል ቴማ ዝተጸምበለ ዝኽሪ 40 ዓመት ምምስራት ሃማደኤ፡ ብዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ደሚቑ ውዒሉ።

Categories