ኣብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ መስርሕ ምጥርናፍ ዓድታት ምሉእ ብምሉእ ብዘይምጽፋፉ፡ ኣብ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣሉታዊ ጽልዋ ይፈጥር ምህላዉ፡ ኣብ ገምጋማዊ ኣኼባ ተገሊጹ።

ሓላፊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ጊላይ ሞሳዝጊ፡ ገና ዘይተጠርነፋ ዓድታትን ቁሸታትን ብምህላወን፡ እቲ ኣገልግሎት ከምቲ ዝድለ የድምዕ ከምዘየሎ ብምሕባር፡ ምጥርናፍ ዓድታት ክድፋኣሉ ኣተሓሳሲቡ።

ነፍሰ-ጾራት፡ ብሰንኪ ራሕቂ ግቡእ ሞያዊ ምኽርን ክንክንን ከይስእና – ወፍሪ እናተወደበ ንኽብጻሓ ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ እንተኾነ ፋሕ ኣብ ዝበላ ቁሸታትን ደምበታትን ስለዝነብራ፡ ንምርካበን ኣሸጋሪ ኮይኑ ምህላዉ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጎልጅ ኣቶ ደሴ ዘርአሚካኤል፡ መደብ ምጥርናፍ ዓድታት ብቐጻሊ ከምዝስራሓሉ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ዳግማይ ምምላስ ናብ ቁሸታትን ደምበታትን ስለዝርአ ግን፡ ተራ ኣመሓደርቲ ከባቢታትን ኣነባበርቲ ዓድታትን ክሕይል ኣገንዚቡ።

Categories