ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ገርጠጢ፡ ክሳድዳዕሮ፡ ዓዲቀ-ተዂላ፡ ዓዲ-በዝሓንስ፡ መረብ፡ ገዛ-ላምዛ፡ ተማጅላ፡ ዛውል፡ ዓዲ-ገብራይ፡ ሽከቲ፡ ተራ-እምኒ፡ ዓዲፈለስቲ፡ ዓዲ-ናህባይ፡ ዓዲ-ሎጎን ዓዲሸረፈቶን፡ ኣእካል ብወፈራ ኣኪቦም።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ያሬድ ሃብተገርግስ፡ እዚ – ሓደ ካብ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ‘ወፈራ’፡ ናብ ሓደስቲ ወለዶታት ክሰጋገር ብምርኣዩ ኣዝዩ ከምእተሓበነ ገሊጹ።

ኣብ እዋን ማሕረስ፡ ጻህያይን ዓጺድን፡ ንጽጉማት ወገናት ንምሕጋዝ ኣብ ዝካየድ ወፈራታት፡ ተመሃሮ፡ መማህራን፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን መንእሰያት ሰራሕተኛታትን ዝገብርዎ ኣበርክቶ ብኣብነት ዝጥቀስ ምዃኑ እውን ኣረዲኡ።

ካብ 22 ጥቅምቲ ጀሚሩ ንዝካየድ ዘሎ ወፈራታት ዓጺድ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣቶ ያሬድ፡ ሳላ’ዚ ናይ ወፈራ ባህሊ – ዘራእቲ ጸያቕ ማዕጺድ ከየርከቦ ክእከብ ክኢሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories