ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ሰንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ ናይ መጻኢ መደባት ዘትዩ።
ኣብ 13 ንኡሳን ዞባታት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባታት፡ ሓላፊ ጨንፈር ማሕበር ኣብቲ ዞባ ኣቶ ሽምወለ ወልደገርግስ፡ ማሕበር ሓርበኛታት ሰንኩላን ንምሕጋዝ ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ክነጥፍ ከምዝጸንሐ ኣረዲኡ።
ኣብ ምሕያል ውዳበ ኣባላትን ናይ ልቓሕ ዕድል ብምፍጣር እግሪ ንምትካሎምን፡ ኣተባባዒ ዕዮ ከምእተሰላሰለ ብምጥቃስ፡ ዘይተጠርነፉ ስንኩላን ተረባሕቲ ዕድላትን ጸጋታትን ማሕበር ክኾኑ፡ ኣብ ማሕበር ክጥርነፉ ኣተሓሳሲቡ።
ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ማሕበር ኣቶ ኣማኑኤል ዘርኦም፡ ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ንዘሰላሰሎም ንጥፈታትን ዝሰገሮም ብድሆታትን ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ’ዚ ወርሒ ጥቅምቲ ራብዓይ ጉባኤ ከካይድ ምዃኑ ድማ ሓቢሩ።