ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2018/2019 ንዝተመዝገበ ውጽኢት ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ንምግምጋም፡ ብ8 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ከረን ርክብ ኣካዪዱ።
ሓላፊ ናይ’ቲ ጨንፈር መምህር ክፍላይ ዓንደሚካኤል፡ ናይ 8ይ ክፍሊ ውጽኢት፡ ካብ መዋእለ-ህጻናት ክሳብ 8ይ ክፍሊ ንዝተኸደ ጉዕዞ ትምህርቲን ዝተቐስመ ውህሉል ፍልጠትን ዝዕቅን፡ ሳይንሳዊ መርትዖ ዘለዎ ኣገባብ ምዃኑ ብምሕባር፡ ተመዝጊቡ ዘሎ ውጽኢት ምስ’ቲ ናይ 2010 ክነጻጸር እንከሎ ነክዩ ብምህላዉ፡ ናብ’ቲ ዝነበሮ ንምምላስን ኪንዮኡ ንምኻድን፡ ውሁድ ጻዕሪ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።
ቀንዲ ዕላማታት ሃገራዊ መርመራ፡ ብቕዓት ትምህርቲ ንምግምጋምን ንምምሕያሽን፡ ኣብ መንጎ ኣብያተትምህርቲ ሞያዊ ስነ-ምግባር ዘለዎ ውድድር ንምስራጽ፡ ናብ ዝቕጽል ደረጃ ትምህርቲ ዝሓልፉ ተመሃሮ ንምምማይ፡ ኣብ መስርሕ ዝተኸስቱ ብልጫታት ንምልላይን ብኸመይ ናብ ዝሰፍሐ ከም ዝዝርግሑ ንምዕያይን፡ ከምኡ’ውን ዝተራእዩ ድኻማት ንምንካይን ንምውጋድን ከምዝኾነ ብምጥቃስ ከኣ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ዕቱብ ቈላሕታ ክህባኦ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ’ቲ ዝምልከቶም ኣካላት ዝተሳተፍዎ ገምጋም፡ ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ውጽኢት ንምምሕያሽ ዝሕግዙ ሓሳባት ቀሪቦምን ዘተ ተኻዪዱሎምን።
ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ፡ ኣቶ ሙሳ ሕሴን ናይብ፡ ስሩዕ ገምጋማት ምክያድ፡ ንተመሃሮ ብሽልማት ምትብባዕ፡ ድኽመታትካ ዘይምሕባእ፡ ጸብጻባት ግሉጽነት ከምዝህልዎም ምግባር፡ ርእሰውጥን ምዕባለ ምድላው. . . ኣብ ምዕዋት መስርሕ ትምህርቲ ልዑል ኣገዳስነት ከምዘለዎም ኣገንዚቡ።
ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ዓመተ-ትምህርቲ 2018/2019፡ ልዑል ነጥቢ ዘመዝገቡ ተመሃሮ፡ ሽልማት ‘ኦርያን’ ተቐቢሎም።