ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ንተራ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምዕቃብ ቅርሲታትን ያታዊ ባህሊን ብዝምልከት – ብክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝተወደበ ሰሚናር ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ ወከልቲ ህዝቢን ኣብቲ ንኡስ ዞባ ዝነጥፋ ትካላት መንግስትን ሃገራውያን ማሕበራትን ዝተሳተፍዎ ሰሚናር፡ ቤተመዘክር ኣብ ምዕቃብ ቅርሲታትን ምስግጋሩ ናብ ሕብረተ-ሰብን ተራኡ ዕዙዝ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዞባ፡ ኣገዳስነት ቅርሲታት ዝግንዘብ ንቕሓት ከምዘሎ ዝገለጹ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ዘቕረቡ ክኢላታት፡ ኣብ ደሴታት ዳህላክን ደሴትን፡ ቡያ፡ ኣዱሊስ፡ ኣብ ባጽዕን ካልእ ከባቢታትን ዘሎ ጥንታዊ ቅርሲታት፡ ቅርሲታት ብረታዊ ቃልሲ ተደሚሩዎ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ማዕከን ባህላዊ ጸጋታት ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወይዘሮ ዘይነብ ዑመር፡ ቅርሲታትናን ያታዊ ባህልናን ንጥምረትናን ሓድነትናን ዘደልድል መግለጺ መንነትናን ታሪኽናን ስለዝኾነ፡ ኣብ ምዕቃቡ ዕቱብነት ክህሉ ኣተሓሳሲባ።

Categories