ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ካብ ንኡሳን ዞባታት ሰገነይቲ፡ ዓዲ-ቐይሕ፡ ሰንዓፈ፡ ጸሮና፡ ማይዓይኒን ደቀምሓረን ንዝተወከሉ 250 ደያኑን ሽማግለታት ዕርቂን ኮማዊ ኣብያተፍርዲ፡ ኣብ ደቀምሓረ ኣስተምህሮ ሂቡ።

እቲ ካብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ፍትሒን፡ ካብ ኣብያተ-ፍርዲ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረን – ብዝመጹ ክኢላታት ሕጊ ዝተዋህበ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣስተምህሮ፡ ኣብ ፍርዳዊ መስርሕን ካልእን ተገይሩ ኣብ ዘሎ ቅርጻዊ ምትዕርራይ ዘተኰረ እዩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ስራሕ ንዘጋጥሞም ብድሆታት – ምስ ክኢላታት ክዘራረቡሉ ዕድል ብምርካቦም፡ ንቐጻሊ ስራሖም ሓጋዚ ኮይኑ ከም ዝረኸቡዎ ገሊጾም።

Categories