ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ዘሎ ዕድላት ንግድን ወፍርን ዝቐንዐ – ቁጠባዊ ዘተ፡ ብ27 መስከረም ኣብ ከተማ ፉሊንገን – ጀርመን ክካየድ እንከሎ፣ ኣብ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከባ ውዳበታት ህግደፍ ብ28 መስከረም ዓውደ-ዘተ ወዲበን።

ኣብቲ ልዕሊ 40 ወከልቲ ትካላት ጀርመን ዝተሳተፉሉ ናይ ዘተ መድረኽ፡ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ሓላፊ ህዝባዊ ዲፕሎማሲን ሚድያን ኣቶ ተኽሉ ለባሲ፡ ሳላ ዘይሕለል ጻዕሪ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ ሃገራት ቀርኒ-ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ብሓባር ዝሰርሑሉ ምቹእ ባይታ ተፈጢሩ ከምዘሎ ገሊጹ። ኤርትራ ኣብ’ዚ መቓን’ዚ ብምምርኳስ፡ ዘቤታውን ጎዶቦኣውን መደባት ሓንጺጻ ትነጥፍ ምህላዋ ድማ ኣረዲኡ።

ኣማኻሪ ቊጠባዊ ጉዳያትን ወፍሪን ኣቶ የውሃንስ ኢያሱ ብወገኑ፡ ኣብ ኣገደስቲ ጽላታት ብዛዕባ ዘሎ ዕድላት ወፍሪ ዝርዝራዊ መብርሂ ኣብ ርእሲ ምቕራብ፡ ምስ ወከልቲ ዝተፈላለያ ትካላት ዘተ ኣካዪዱ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ – ኣብ ጀርመን፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ሙንሸንን ከለንን፡ “ምንባይ ስድራ ስዉኣት፡ ሓላፍነት ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ እዩ” ብምባል፡ 4,600 ዩሮ ንመናበዪ ስድራ-ስዉኣት ኣወፍዮም።

ብኻልእ ወገን፡ ካብ ኩለን ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ንዝመጹ ኣባላት ውዳበታት መንእሰያት ህግደፍ፡ ሃማደኤን ማሕበረኮማትን ዘሳተፈ – ንምሕያል ህግደፍ ዝዓለመ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓውደ-ዘተ፡ ብ28 መስከረም ኣብ ከተማ በርሚንግሃም – ዓባይ ብሪጣንያ ተኻዪዱ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን፡ ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕነቱን፡ ጠገለ ንዘይብሉ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ዲፕሎማሲያዊን ሸርሕታት፡ ከምኡ’ውን ብእገዳ ዝተሰነየ ወተሃደራዊ መጥቃዕታት ክሰግሩዎን ክስዕሩዎን ዝኸኣሉ፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ንዝተጠረየ ክብርታት ሳላ ዝዓቀቡ ምዃኑ ኣረዲኡ። ኣብ’ዚ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ መዋእል ሰላም እውን፡ ምሕያል ህዝባዊ ግንባር ማለት ምሕያል ኩሉ ሃገራዊ ረብሓን ድሕነትን ምዃኑ ብምእማን፡ ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ተሳተፍቲ፡ ብደረጃ ዓባይ-ብሪጣንያ 5 ዝኣባላታ ኣካያዲት ኣካል ህግደፍ ድሕሪ ምምራጽ፡ ህግደፍ ንምሕያል – ንጹርን ኣድማዕን መደባት ስራሕ ተሓንጺጹ ንትግባረኡ ክሰርሑ ተሰማሚዖም።

Categories