ብቕዓት ትምህርቲ ብምርግጋጽ፡ ተወዳዳርነት ተመሃሮ ንምዕባይ ዝሕግዝ ዓወደ-ዘተ፡ ካብ 26 ክሳብ 30 መስከረም ኣብ ከተማ ከረን ተቓኒዑ።
ኣብ’ቲ ልዕሊ 200 – ሓለፍቲ ትምህርቲ፡ ዳይረክተራት፡ ሱፐርቫይዘራትን ካልኦት ክኢላታትን ዝተሳተፍዎ ዓውደ-ዘተ፡ ኣፍልጦ ተመሃሮ ንምዕማቚን ሞያዊ ክእለት መማህራን ንምዕባይን ሰፊሕን ኣሳታፍን ክትዕ ተኻዪዱ።
ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ፡ ኣቶ ሙሳ ሕሴን ናይብ፡ ብቕዓትን ዓይነትን ትምህርቲ ንምምዕባል መጽናዕቲ ክካየድ ምጽንሑ፡ ዕላማ ናይ’ቲ ዓወደ-ዘተ ድማ፡ ነቲ ዝቐረበ መጽናዕቲ ብምህብታም፡ ኣብ ባይታ ከተግብርዎ ዝኽእሉ ኣካላት ንምልላይን ኣበርክቶኦም ንምዕዛዝን ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
ማዕረ-ማዕረ ዝርጋሐ ትካላት ትምህርቲ፡ ዓይነትን ብቕዓትን ንምርግጋጽ እውን ክስራሓሉ ከምዝጸንሐ ዝሓበረ ኣቶ ሙሳ፡ እቲ ዓውደ-ዘተ፡ ዝዕቀንን ዝግምገምን ኣሰራርሓ ንምትእትታው ክሕግዝ ዘለዎ ትጽቢት ኣተንቢሁ።
ሓላፊ ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ክፍላይ ዓንደሚካኤል እውን፡ እቲ ዓወደ-ዘተ፡ ትምህርታዊ ስርሓት ዝድህስስን፡ ናይ ተመሃራይ ፍልጠትን ውጽኢትን ንምምሕያሽ ዘውሕስን ክኸውን እምነቱ ገሊጹ።