መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ጸሮና ምስ ምምሕዳር ሓውሲ ከተማ ጸሮና፡ ምምሕዳራት ከባቢ እንዳባስቲፋኖስ፡ ድብን ጎበለን ብምትሕብባር፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ሕጊ ክብ ንምባልን ምትሕብባር ህዝብን ፖሊስን ንምሕያልን ዝዓለመ ርክባት ኣካዪዱ።

ኣዛዚ’ቲ መደበር ሰርጌንቲ ዑስማን ፍካክ፡ ሰረት ጽቡቕ ስነ-ምግባር ስድራቤት ምዃና ብምሕባር፡ ሓሓሊፎም ዝቕልቀሉ በከልቲ ተርእዮታት ብኣጋ ንምውጋድ፡ ተራ ስድራ-ቤትን ኮምን ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ኩነታት ከባቢኻ ብግቡእ ምክትታልን ውላድካ ዘርእዮ ምልውዋጥ ባህሪ ኣለሊኻ ምእላዩን፡ ኣብ ምክልኻል ገበንን በደላትን ኣገዳሲ ተራ ከምዘለዎ ጠቒሱ ድማ፡ ህዝቢ ንቕሓቱ ክብ ኣቢሉ ምስ ፖሊስ ዘለዎ ዝምድና ከደልድል ጸዊዑ።

ብኻልእ ወገን፡ ሓላፊት ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና ወይዘሮ ሳሊሓ መሓመድብርሃን፡ ንነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ እንዳባስቲፋኖስ፡ ድብን ጎበለን፡ ኣብ ጎዳእቲ ልምድታት ብሓፈሻ መርዓ ትሕቲ-ዕድመን ሳዕቤናቱን ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ኣስተምህሮ ሂባ።

Categories