ብውህደት ህዝቢ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባን መሻርኽቱን ኣብ ቀጽሪ ማእከል ጥዕና ንኡስ ዞባ ድባርዋ ዝተሃንጸ መጸበዪ ነብሰ-ጾራት፡ ብ21 መስከረም ተመሪቑ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ማእከል ጥዕና ድባርዋ ነርስ ገብረሂወት ኣረፋይነ፡ ኩነታተን ዝከታተላ ነብሰ-ጾራት ካብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ’ቲ ንኡስ ዞባ ናብታ ማእከል ክመላለሳን ክገላገላን ከምዝጸንሓ ጠቒሱ፡ ምስ ምስራሕ ናይ’ዚ መጸበዪ ነብሰ-ጾራት፡ ክመላለሳ ዘጋጥመን ዝጸንሐ ጸገም ከምእተፈትሐ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣቶ ፍረወንጌል ተኽለሃይማኖት፡ እዚ ብልዕሊ 400 ሽሕ ናቕፋ ዝተሰርሐ ህንጻ፡ 8 ዓራውቲ ዝሕዝ ክፍሊ፡ ክሽነን ካልእን ስለዘጠቓልል፡ ንነብሰ-ጾራት እፎይታ ዝፈጥር ምዃኑ ገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ ዶክተር ኣማኒኤል ምሕረትኣብ ድማ፡ መጸበዪ ነብሰ-ጾራት ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነብሰ-ጾራት ብግቡእ ክጥቀማሉ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ ድማ ጐስጓሶም ከሐይሉ ኣዘኻኺሩ።

Categories