ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ፡ ኣብ ወቕቲ ክራማት ዝኽሰቱ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ፡ ሕማም ዓሶ ድማ ብፍላይ ንምቁጽጻር ሰፊሕ ናይ ምክልኻል ንጥፈታት ተሰላሲሉ።

ኣባል ምክትታል ከባቢያዊ ጥዕና ኣብቲ ንኡስ ዞባ መንእሰይ የማነ ተወልደ፡ ህዝቢ ጽሬት ከባቢኡ ብምውሓስ ጥዕናኡ ንምዕቃብ፡ ኣብ ምክልኻል ዘድሃበ ወፈራታት ከካይድ ምጽንሑ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ተርእዮ ሕማም ዓሶ ከምዝነከየ ሓቢሩ።

ንሱ ወሲኹ፡ ህዝቢ ናይ ምክልኻል ሜላታቱ ከሐይልን መራብሒ ጣንጡ ኣብ ምውጋድ ዝጀመሮ መደብ ብዝለዓለ ክደፍኣሉን ኣተሓሳሲቡ።

Categories