ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዝርከባ ልዕሊ 100 ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝመጹ ተመሃሮ፡ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ናብ ዝዛዝሙላ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ – ሳዋ ንዝተመደቡ 125 ሓደስቲ መማህራን ስልጠና ተዋሂቡ።

ዕላማ’ቲ ካብ 3 ክሳብ 9 መስከረም ዝተዋህበ ስልጠና፡ እቶም ሓደስቲ መማህራን ኣብ ኮለጃት ንዝቐሰሙዎ ክልሰ-ሓሳባዊ ትምህርቲ ብግብራዊ ፍልጠት ብምድራዕ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ለውጢ ንምምጻእ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ስልጠና፡ ሌላ ምስ ሞያ ምምህርናን ፖሊሲ ትምህርትን፡ መምህር ከዘውትሮም ዘለዎ ብሉጻት ባህሪያት፡ ምሕደራን ምቁጽጻርን ክፍሊ፡ ኣቀራርባን ኣገባብን ውጥን ምህሮ፡ ኣገባብ ምዘናን ምግምጋምን መስርሕ ትምህርቲ፡ ምስፋሕን ምትእትታውን ንተመሃራይ ዘማእከለ ኣገባብ ኣመሃህራ፡ ከምኡ’ውን ስነ-ምግባር መምህር ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዘተኰረ እዩ።

ርእሰ-መምህር ቤት-ትምህርቲ 2ይ ደረጃ ዋርሳይ-ይከኣሎ መምህር ርእሶም ገብረሂወት፡ ንእትህቦ ትምህርቲ ብዝግባእ ናብ ተመሃሮ ንምትሕልላፍ ጥበብን ትዕግስትን ዝሓትት ስለዝኾነ፡ ነፍሲ-ወከፍ መምህር ነዚ ጥበብ’ዚ ክውንኖ ከምዝግባእ ብምጥቃስ፡ መምህር ንምድላው ውጥን ምህሮ ቀዳምነት ካብ ንጥፈታቱ ሰሪዑ ክሰርሓሉ እንተዘይክኢሉ፡ ነቲ ዝደልዮ ዕላማ ክወቅዕ ከም ዘይክእል ኣገንዚቡ።

መምህር፡ ከም ወላዲን ኣላዪን መጠን ንኹሎም ተመሃሮኡ ብማዕረ ንኽሳተፉ ዕድል ክህቦም ብምልባው፡ ሞያ ምምህርና ናይ ሕልና ስራሕ ስለዝኾነ፡ ብቑዕ ሰብ ንምህናጽ ተሰኪሞሞ ንዘለዉ ረዚን ሓላፍነት ብዝግባእ ኣለልዮም፡ ሞያዊ ኣበርክቶኦም ንምዕዛዝ ከይተሓለሉ ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

Categories