ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደሚኪኤል ኣብርሃ፡ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ካብ 4 ክሳብ 9 ነሓሰ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ጋሽ-ባርካ ዘካየዶ ናይ ስራሕ ዑደት፡ ካብ 27 ክሳብ 31 ነሓሰ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዓንሳባ፡ ናይ ልምዓት ቦታታት በጺሑን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ኣተገባብራ መደባትን ኮማዊ ተሳትፎን ዘትዩን።

ኣብ’ቲ ምስ ሓለፍቲ ኣካላት መንግስትን ግንባርን፡ ከምኡ’ውን መንእሰያትን ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስትን ዝገበሮ ርክብ፡ ሚኒስተር ወልደሚኪኤል፡ ኣብ ህሉው ኩነታት መነባብሮ ህዝብን ንጥፈታት ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን፡ ዘሎ ሕጽረታትን ኣገባባት ኣፈታትሓኡን፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ውሕሉል ተጠቃምነት መሬትን ምስሳን ሃብቲ እንስሳን ገረብን፡ ከምኡ’ውን ስሉጥ ኣገልግሎት ንምርግጋጽ ክካየድ ኣብ ዘለዎ ጻዕሪ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ሚኒስተር ወልደሚካኤል ኣብ መግለጺኡ፡ ክብሪታትናን ጥምረትናን፡ ራእይና እነስምረሉ ቀንዲ ሓይልና ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ ተኣትዩ ዘሎ ትስፉው ናይ ሰላም መድረኽ፡ መንእሰያት ታሪኽ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋን ብግቡእ ተገንዚቦም፡ ኣብ ትግባረ ሃገራዊ መደባት ብንቕሓት ክዋስኡ እዋናዊ ተልእኾ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

ብዘይካ’ዚ ሚኒስተር ወልደሚኪኤል፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሓልሓል ዝህነጻ ዘለዋ ዲጋታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ እትርከብ ዲጋ ሓሽፈራይ በጺሑን ኣብ’ቲ ከባቢ ዝሰላሰል ዘሎ ንጥፈታት ሕርሻዊ ልምዓት ተዓዚቡን።

ዑደት ሚኒስተር ወልደሚካኤል ኣብርሃ ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ንኡሳን ዞባታት ኣስማጥ፡ ሓልሓል፡ ገለብ፡ ሓጋዝ፡ ሓመልማሎ፡ ከረን፡ ዒላበርዕድን ዓዲተከሌዛንን ዘጠቓለለ ነይሩ።

Categories