ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ መንግስቲ ብዘተኣታተዎ ናይ ሕርሻ ማሽነሪ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣድማዒ ንጥፈታት ክረምታዊ ሕርሻ ይሰላሰል ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ኮርፖረሽን ዘራእትን ጥሪትን ኤርትራ ኣወሃሃዲ ፕሮጀክታት ሕርሻ ደቡባዊ ምዕራብ ኣቶ ሓይለዝጊ ሃብተ፡ በተን ዝተቐረባ ትራክተራት ሓረስቶት’ቲ ከባቢ ግራውቶም ብርትዓዊ ዋጋ ኣብ እዋኑ ከምዝሓረሱ ብምሕባር፡ ምስ ዘሎ ህጡር ክራማት ብርኩት ምህርቲ ክሕፈስ ልዑል ትጽቢት ከምዘሎ ገሊጹ።

ክራማት ደንጒዩ’ኳ እንተጀመረ፡ ካብ ወርሒ ነሓሰ ግን ጽቡቕ መጠንን ዝርግሐን ዘለዎ ዝናብ ይቕጽል ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ እቲ ኮርፖረሽን ብመደብ ክረምታዊ ሕርሻ ኣብ ሰፋሕቲ ጎላጉል ከታይ – ከባቢ ኡምሓጀር፡ ገርሰት፡ ዓድዑመር፡ ፌስኮን ዓሊግድርን ኣስታት 8 ሽሕ ሄክታር – ፍርቁ መሸላ ፍርቁ ድማ ስምስም ኣልሚዑ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ብዘይካ’ቲ ኣብ ክረምታዊ ሕርሻ ዘካይዱዎ ዘለዉ ጽዑቕ ንጥፈታት፡ ነቲ ብሰፊሑ ንምትእትታዉ ልዑል ጻዕሪ ዝካየደሉ ዘሎ ፍረታት ናይ ምልማዕ መደባት’ውን ይደፍኡሉ ከምዘለዉ ዝገለጸ ኣቶ ሓይለዝጊ፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ገርሰት፡ ዓድ-ዑመርን ዓሊግድርን ዝለምዐ ማንጉስን ኣራንሽን ኣብ ፍረ ከምዝበጽሐ ኣብሪሁ።

Categories